『ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሰነ 2025)』のカバーアート

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሰነ 2025)

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሰነ 2025)

無料で聴く

ポッドキャストの詳細を見る

このコンテンツについて

ን ሎሚ 09 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሎሚ 9 ሰነ ኤስ ቢ ኤስ ዝጀመረሉ መበል 50 ዓመት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እንቋዕ ኣብጽሓና ንብል። እቲ ኣብ 1975 ብዉሑዳት ቋንቋታት ዝጀመረ መደብ ኣብዚ እዋን ንከም ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ሶማልን ዲንካን ካልእ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ወሲኹ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ምቕራብ ዝነጥፍ ዘሎ ህዝባዊ ሬድዮ እዩ። ነዚ ናይ መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያምን ኣቶ ልኡል ፍስሃየን እዮም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ መድሕን ኮርፐረሽን ኤርትራ፡ኣስታት $6-ሚሊዮን ዶላር ከም'ዝኸሰበ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ በሪ ባሕሪ(ወደብ) ዝሰኣነትሉ መገዲ ዘየለ ግፍዒ ክብል ገሊጹዎ። ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ንብልጽግና ነቒፉ ሎ። ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ንኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ዜጋታታ ብምርሳዕ ኣብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣቐሚጥዋ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ 830 ኣውስትራሊያውያን ከም ኣካል ጽምብል መዓልቲ ልደት ንጉስ ናይ ክብሪ ስልማታት ረኺቦም እዮም ። ፕረዚደንት ትራምፕ ፡ 2,000 ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ (National Guard) ነቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ደው ንኸብሉ ኽወፍሩ ስልጣን ሂብዎም ኣሎ ፣ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ተኒስ ዉድድር ፍረንች ኦፐን ንጃኒክ ሲነር ብምስዓር ሻምፕዮን ኮይኑ ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሰነ 2025)に寄せられたリスナーの声

カスタマーレビュー:以下のタブを選択することで、他のサイトのレビューをご覧になれます。