『ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (5 ሰነ 2025)』のカバーアート

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (5 ሰነ 2025)

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (5 ሰነ 2025)

無料で聴く

ポッドキャストの詳細を見る

このコンテンツについて

ንሎሚ ሓሙስ 05 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያምን ኣቶ ልኡል ፍስሃየን እዮም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ ዝተተኽለ ኬላታት ደው ንክብል ኣዚዙ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ወረዳታት ጉሎመኸዳን ኢሮብን ወፅዩ ዝብል ጌጋ ምዃኑ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ገሊጾም። ኣብዚ ቅንያት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ልውውጥ በርትዑ ይርከብ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደቂ ብሄረ ትግራይ ሓቀኛ ልዝብ ከካይዱ ጸዊዑ። መዲያ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ይመስል፧ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ናብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ሓጺን ንኹለን ሃገራት ብዕጽፊ ግብሪ ወይ ታሪፍ ተወሲኑ ን ኢንግላንድ ግን ብ ምምሓሩ ኣውስትራሊያ ተመሳሳሊ ምሕረት ክግበረላ ትትስፎ። ናብ መካ ዝግበር ሓጅ ወይ ንግደት ጀሚሩ ፡ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዝዀኑ ኣስላም ድማ ሃይማኖታዊ ግቡኦም ንምፍጻም ካብ መላእ ዓለም ናብ ስዑዲ ዓረብ ይጓዓዙ ኣለዉ ። ኣውስትራልያዊት ኰዀብ ተጻዋቲት ተኒስ ባይታ ኤመርሰን ጆንስ ኣብ ዉድድር French Open ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ በጺሓ ።

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (5 ሰነ 2025)に寄せられたリスナーの声

カスタマーレビュー:以下のタブを選択することで、他のサイトのレビューをご覧になれます。