エピソード

  • ዕላል ምስ ድምጻዊ ስዒድ ዓብደላ ምስ ረድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ. (Interview with Sied Abdela: SBS Tigrinya)
    2025/06/09
    ስዒድ ዓብደላ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ብፍላይ ድማ ኣብ ደርፊ ትግረ ዓቢ እጃም ዘበርከተ እዩ፡ ሎሚ ብስደት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብር ዘሎ ወዲ ዓብደላ ኣብ ደርፊ ዝገበሮ ስራሓትን ኣብ ዘበን ስደቱ ዘለዎ ትልሚን ምስ ሬድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ ኣዕሊሉ ኣሎ ምሉእ ትHዝቶ እቲ ዕላል ንምስማዕ ኣብዚ ተውቑ፡፣
    続きを読む 一部表示
    34 分
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሰነ 2025)
    2025/06/09
    ን ሎሚ 09 ሰነ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሎሚ 9 ሰነ ኤስ ቢ ኤስ ዝጀመረሉ መበል 50 ዓመት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እንቋዕ ኣብጽሓና ንብል። እቲ ኣብ 1975 ብዉሑዳት ቋንቋታት ዝጀመረ መደብ ኣብዚ እዋን ንከም ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ሶማልን ዲንካን ካልእ ቋንቋታት ኣፍሪቃ ወሲኹ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ምቕራብ ዝነጥፍ ዘሎ ህዝባዊ ሬድዮ እዩ። ነዚ ናይ መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያምን ኣቶ ልኡል ፍስሃየን እዮም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሃገራዊ መድሕን ኮርፐረሽን ኤርትራ፡ኣስታት $6-ሚሊዮን ዶላር ከም'ዝኸሰበ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ በሪ ባሕሪ(ወደብ) ዝሰኣነትሉ መገዲ ዘየለ ግፍዒ ክብል ገሊጹዎ። ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ንብልጽግና ነቒፉ ሎ። ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ንኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ዜጋታታ ብምርሳዕ ኣብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣቐሚጥዋ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ 830 ኣውስትራሊያውያን ከም ኣካል ጽምብል መዓልቲ ልደት ንጉስ ናይ ክብሪ ስልማታት ረኺቦም እዮም ። ፕረዚደንት ትራምፕ ፡ 2,000 ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ (National Guard) ነቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ደው ንኸብሉ ኽወፍሩ ስልጣን ሂብዎም ኣሎ ፣ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ተኒስ ዉድድር ፍረንች ኦፐን ንጃኒክ ሲነር ብምስዓር ሻምፕዮን ኮይኑ ።
    続きを読む 一部表示
    49 分
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሰነ 2025)
    2025/06/09
    ኣርእስታት ዜና፥ 830 ኣውስትራሊያውያን ከም ኣካል ጽምብል መዓልቲ ልደት ንጉስ ናይ ክብሪ ስልማታት ረኺቦም እዮም ። ፕረዚደንት ትራምፕ ፡ 2,000 ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ (National Guard) ነቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ደው ንኸብሉ ኽወፍሩ ስልጣን ሂብዎም ኣሎ ፣ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ተኒስ ዉድድር ፍረንች ኦፐን ንጃኒክ ሲነር ብምስዓር ሻምፕዮን ኮይኑ ።
    続きを読む 一部表示
    12 分
  • “ለውጢ እንተመጺኡን ኣምላኽ ዕድመ እንተወሲኹኒን እታ ሕልመይ ክፍጻማ’የ” ፕሮ. በረኸት ሃብተስላሴ
    2025/06/09
    ብምኽንያት ዝኽሪ ምጅማር SBS መበል 50 ዓመት ምስ ፕሮ.በረኸት ሃብተስላሴ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ንድፊ ቅዋም ኤርትራ ኮይኑ ቅዋም ዝጸሓፈ ኣብርእሲ ምዃኑ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኒኡን ብዛዕባ ኣፍሪቃን ዓለምን ዝምልከት ብዙሕ ጽሑፋትን መጻሕፍቲን ጽሒፉ ዘሕተመ እዩ። ብዛዕባ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ዘዕለልናዮ ደጊምና ኣቕሪብና ኣለና። “ህዝቢ ኤርትራ መስተንክር ታሪኽ ዝሰርሐ ህዝቢ ስለዝኾነ ክእለት ዘለኩም ብዛዕባኡ ክትጽሕፉ ኣለኩም።”
    続きを読む 一部表示
    39 分
  • ኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒ ቶተንሃም ኣንጅ ፖስትኮግሉ ካብ ስርሑ ተባሪሩ፣ ሮናልዶ ኣብ መበል 40 ዓመቱ ምስ ሃገሩ ዋንጫ ዓቲሩ፣
    2025/06/08
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/06/2025) * ቅድድም ብሽግለታ ክራይተርየም ዱ ዶውፊን ብዓወት ኣባል ጋንታ ዩኤኢ ቲም ኤሚረትስ - ኤክስኣርጂ ዝኾነ ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ኣብ ፈረንሳ ተጀሚሩ፣ ኤርትራውያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ይሳተፉ’ለዉ፣ * ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ታዱ ተሾመ ማሩ ካብ ውድድር ወጻኢ ወዝቢ ንዝካየድ መርመራ ደም ኣትለቲክስ ዓለም ዘላቶ ቦታ ብዘይምሕባራ ጥሕሰት ፈጺማ ናይ 22 ኣዋርሕ እገዳ ተነቢሩላ፣ * እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ንኣውስትራልያዊ ኣሰልጣኒኣ ዝነበረ ኣንጅ ፖስትኮግሉ ክልተ ወቕትታት ምስኣ ድሕሪ ምጽንሑ ከም ዘባረረቶ ኣፍሊጣ, * ክሪስትያኖ ሮናልዶ ኣብ መበል 40 ዓመቱ ንሃገሩ ጽዋዕ ኣዕቲሩ፣
    続きを読む 一部表示
    9 分
  • ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ በሪ ባሕሪ(ወደብ) ዝሰኣነትሉ መገዲ ዘየለ ግፍዒ ክብል ገሊጹዎ።
    2025/06/08
    ሃገራዊ መድሕን ኮርፐረሽን ኤርትራ፡ኣስታት $6-ሚሊዮን ዶላር ከም'ዝኸሰበ ኣፍሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ በሪ ባሕሪ(ወደብ) ዝሰኣነትሉ መገዲ ዘየለ ግፍዒ ክብል ገሊጹዎ። ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ንብልጽግና ነቒፉ ሎ። ኣብ ኣክሱም ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ብህጹጽ ክፍትሑ ማሕበር ጋዜጠኛታት ትግራይ ሓቲቱ። ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ ንኢትዮጵያ ዝተመዛበሉ ዜጋታታ ብምርሳዕ ኣብ ዓለም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣቐሚጥዋ። "ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ !! " ዝብል ቴማ ዘለዎ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ዪ። ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ፈላማይ ኣኼባ ኣመራርሓ ዞባታት ተዛዚሙ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና።
    続きを読む 一部表示
    8 分
  • መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፥ ትዕዝብቲ ጋዜጠኛታት ኣብርሃም ተ/ልኡልን ተመስገን ደበሳይን፡ ኣብ እዋን ምምጻእ ቀ/ሚ ኣብያ ናብ ስልጣን
    2025/06/06
    ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዯጵያን ብናህሪ ክኸይድ ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ሰላም ኩነታት ንብዙሓት ዘሐጎሶምን ዘገረሞምን፡ ዘሰክፎምን ኔሮም። ብዛዕባ'ዚ ኣብቲ እዋን ዋና ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ኣብርሃም ተስፋል ኡልን ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይን ትዕዝብቶም ምስ ረዲዮ ኤስ ቢ ኤስ ኣካፊሎም ነይሮም። ብምኽንያት ዝኽሪ 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ዳግም ቅሪቡ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት'ውን ንምንጽጻር ዝሓግዝ ርእይቶታት ዘለዎ እዩ።
    続きを読む 一部表示
    31 分
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (5 ሰነ 2025)
    2025/06/05
    ንሎሚ ሓሙስ 05 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያምን ኣቶ ልኡል ፍስሃየን እዮም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ ዝተተኽለ ኬላታት ደው ንክብል ኣዚዙ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ወረዳታት ጉሎመኸዳን ኢሮብን ወፅዩ ዝብል ጌጋ ምዃኑ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ገሊጾም። ኣብዚ ቅንያት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ልውውጥ በርትዑ ይርከብ። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደቂ ብሄረ ትግራይ ሓቀኛ ልዝብ ከካይዱ ጸዊዑ። መዲያ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ ይመስል፧ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ናብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ሓጺን ንኹለን ሃገራት ብዕጽፊ ግብሪ ወይ ታሪፍ ተወሲኑ ን ኢንግላንድ ግን ብ ምምሓሩ ኣውስትራሊያ ተመሳሳሊ ምሕረት ክግበረላ ትትስፎ። ናብ መካ ዝግበር ሓጅ ወይ ንግደት ጀሚሩ ፡ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዝዀኑ ኣስላም ድማ ሃይማኖታዊ ግቡኦም ንምፍጻም ካብ መላእ ዓለም ናብ ስዑዲ ዓረብ ይጓዓዙ ኣለዉ ። ኣውስትራልያዊት ኰዀብ ተጻዋቲት ተኒስ ባይታ ኤመርሰን ጆንስ ኣብ ዉድድር French Open ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ በጺሓ ።
    続きを読む 一部表示
    50 分